ከይትነግርዋ'ባ ነደይ

€20.99

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

 

ሓጺር ውልቃዊ ርኢቶይ ኣብ መጽሓፍ '' ከይትነግርዋ'ባ ንኣደይ''

እዛ መጽሓፍ ደራሲ ጸጋብርሃን ቅድሚ ገለ መዓልታት ምስ ሰደደለይ ኣብ ክልተ መዓልታት እየ ነቢበያ ። መጽሓፍ '' ከይትነግርዋ'ባ ንኣደይ'' 21 ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ዝተመርኮሱ ዛንታታት ኤርትራውያን ኣብ ስደት ዝሓቆፈት መጽሓፍ ኮይና ኤርትራውያን ኣብ ስደት ንዘጋጥሞም መስገደልን ብድሆን እትትርኽን ዛንታ ውልቃውያን ሰባት ድማ ከም መምሃርን ኣብነትን ብምርቃሕ ንካልኦት ድማ ዝያዳ ኣብ ምንቃሕ እትሕግዝ ኣዝያ ኣገዳሲትን መሃሪትን እያ ።

ብተወሳኺ፡ ደራሲ እታ መጽሓፍ ኣብ ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዕንወት ስደት ዝያዳ ዕምቆት ክገብር ዝደለየ ኮይኑ ይስመዓኒ ። ልክዕ እዩ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም ዝተፈላለየ ኣድልዎ ክህልዎም ንቡር እዩ ከምቶም ካልኦት ስደተኛታት ፣ ቀንዲ ኣብዛ መጽሓፍ ጎሊሑ ዘሎ ጸገም ግን ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ባህላዊ ምዝንባል የጋጥሞም ከም ዘሎ ካብዛ መጽሓፍ ክግንዘብ ክኢለ ለኹ ።

እዚ ዓይነት ብድሆታት እናሃለዎም ግን ዓንዲ ማእከል ናይተን ኣብ ኤርትራ ብቁጠባ ተረሚሰን ዘለዋ ስድራቤታት ምብኻኖም ድማ ዝያዳ ካልእ እዋን ዘሐብኑኻ እዮም ።