ወዲ-ረዛን p1

€25.99

ሓቀኛ ታሪኽ ሓዘል ልብ-ወለድ

ቀዳማይ መጽሓፍ

 

ወዲ-ረዛን

ቀዳማይ ምዕራፍ

ጋይም፡ ጋይም፡ ኣታ ጋይም…” ብምባል ሓደ ካብቶም ብምኽንያት በዓል ኣባ-ብርሃን፡ ጓይላ ዝጻወቱ ዝነበሩ መንእሰያት ዓዲ-ባሕሮ፡ ምሕድግ ኢሉ ተዳህየ'ሞ፡ እቲ ከበሮ ንምህራም ከይቅደም፡ ተዳልዩ ዝጽበ ዝነበረ፡ “ጋይም” ዝተባህለ ድልዱል ጋይድ (መንእሰይ)፡ “ዎሆይ” በለ ናብቲ ድምጺ ዝሰምዓሉ ወገን እናጠመተ። “ንዓ'ሞ ሓንሳብ ነጀ?'' ምስ በሎ'ቲ ዝጽውዖ ዝነበረ ሰብ ከኣ እታ ዝጽበያ ዝነበረ ከበሮ ከይተምልጦ ሰጊኡ፡ ዕጥይጥይ በለ'ሞ ደጊሙ ጸውዖ'ቲ፡ ኣብ ማዕዶኡ ዝነበረ በጽሒ፡፡ “ኢሂ ኣታ *ኣኽዓየ? ደሓንዲኻ?” በሎ ሽዑ ጋይም ቍሩብ ናብኡ ቅርብ ኢሉ፡ ገጹ ጠውዩ ናብታ ዝጽበያ ዝነበረ ከበሮ እናጠመተ፡፡ “ኣታ ደሓን እየ፤ ንዓ'ንዶ ናብዙይ ሓንሳብ ቅርብ በል?" በሎ'ቲ ጸላም ተኸዊሉ ዝዳሃዮ ዝነበረ ዓርኩ ድምጹ ኣትርር ኣቢሉ፡፡ “ጋይም” ማለት “ናይሴፍ መትሓዝ ኢድ፡ ኣውላጋ ወይ ለዓት” ማለት ክኸውን ከሎ፡ “ኣኽዓየ” ማለት ከኣ “ዓርከይ፡ መዘናይ” ማለት እዩ፡፡

“እዋእ! ኣነ ወዲ-ወሉዶ! ኣታ እንታይዲኻ ኴንካ?” በሎ ጋይም ወልዱ እንደገና፡ ናብኡ ገጹ ቍሩብ ቅርብ ኢሉ፤ ገና ቀልቡ ምስታ ከበሮ ስለ ዝነበረ ግን ብቕጽበት ገጹ መሊሱ ናብ ድሕሪት ጠመተ።

“ኣታ ኣነ ደኣ እንታይ ክኸውን? ወላ-ሓደ ኣይኮንኩን። ንዓ'ንዶ ስኽ ኢልካ ጥራይ?” ምስ በሎ ግንጭር ኢሉ ከኣ፡ “ሕራይ በል መጻእኩ፡" ብምባል ናብ ድሕሪት ምልስ ኢሉ፡ ነተን ከበሮ ንኽሃርም፣ ኣብ ኮፍ መበሊኡ ኣቐሚጡወን ዝነበረ በትሩን ነጸላኡን ኣልዒሉ፣ ዓርኩ እንታይ ከም ዝደለዮ ንምፍላጥ ብጕያ ከዶ፡፡

“ኣታ እንታይ ኢኻ ንዓ ቀልጥፍ እንተበልኩኻስ ስኽ ኢልካ ዕጥይጥይትብል?” ብምባል'ቲ ክጽውዖ ዝጸንሐ ዓርኩ ኣንጸርጸረሉ!

“እዋእ! ኣታ'ሞ መጺአ'ኮ እነኹ፤ እንታይዲኻ ኴንካ?” ሓተቶ ጋይም ሸዑ ኣብቲ ሃጋይን (ድቕድቕ ጸልማት) ኵነታቱ ንምፍላጥ፡ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ እናጠመተ፡፡

“እዋእ! ኣታ ኣነ ደኣ እንታይ ክኸውን? እዛ ምሕረት ጓል-ኣያ ኣዛሄል ጊን?

ካብ ልቢብወልደ መጽሓፍ ካብ ዝርሕቕ ድሮ 2ተ ዓመተይ ጌረ ኣለኹ ሎሚ ግን ብሳላ ደራሲ Goitom Ghile ተመሊሰ ኣለኹ፡ ጽቡቕ ጌረ ልሳብ ዘምሰግነካ ተጸበ ኢካ።